Sunday 21 January 2018

ጕዕዞ ናብ ሮሰን

ሎሚ፡ ምስ ኣሮን መሳርሕተይ ብስራሕ ናብ ሮሰን ገይሽና። ሮሰን እትበሃል ቁሸት፡ ባከ ንእትበሃል ቁሸት ረጊጽና ምስ ሓለፍና ኢና ክንብጽሓ ዝነበረና። ነቲ ኣብ መንጐአን ዘሎ ናይ ኣስታት 10 .. ፍልልይ፡ ቈጸራና ንምርካብ ብልዑል ፍጥነት እናተሓንበብና ኢና ሸፊናዮ። ኣብቲ ቅጥራን ከም ረጒድ ዓለባ ጡጥ ተነጺፉ ዝነበረ በረድ ከም ዘራጊቶ ዑብ ኣበልናዮ። እቲ ዳእላ ዘይፍለዮ ኣሮን፡ "በየን ደኣ ረኺብካዮ'ቲ ኣቸራቶረ ሕጂ፡" ኢሉ'ዩ ቀሊዱለይ ነቲ ኣብ'ተን ቀዳሞት 50 .. ለመም ክብል ዘጥፋእኩዎ ግዜ ብምምልካት።

ናይ ሎሚ ጕዕዞና፡ ከም ኣመልና "ሮሰን ትጽብቕ""ኣይፋል ባከ'" ኢልና እናተፈኻኸርና ኢና ጀሚርናዮ። መዳሕንቲ ኣሮን ኣብ ሮሰን ብምቕባሩ፡ ምስ'ታ ቁሸት ዘለዎ ምትእስሳር ልክዕ ከም ዘይተወልደ ናጽላ ምስ ኣደኡ እዩ። ስራሕ ምስ ወዳእና ክወጽእ እንከለኹ ከም ገለ ብኽፍሉ እንተ ኣላጊሰ፡ ንዘረባ ዘረባ ኣምጸኦ ሮሰን እንተ ተላዒላ ካርታ ናይ ጕግል ከፊቱ ልዕሊ ሽሕ ግዜ ንኣደዃኹና ሮሰን ኣርእዩኒ ይኸውን እዩ። እነ ድማ ምስ ባከ ዘሎኒ ፍቕሪ ብዝከኣለኒ እናገለጽኩ፡ ክምክቶ እፍትን።

ኣሮን፡ ዕድመኡ 60ታት ካብ ዝኣቱ ክልተ ዓመታት'ዩ ኣሕሊፉ። ሱሳ ዓመት ምስ መለአ፡ ኵልና መሳርሕቲ ተኣኪብና ዘብዓልናሉ ከም'ዚ ሎሚ ኰይኑ'ዩ ዝስመዓኒ። መንፈስ ዳእላን ወዲ ዕስራታት ዝዓብለሎ ኣሮን፡ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝነበረ ናይ ስራሕ ኣኼባና ጥሮታ ንኽወጽእ ከም ዝወሰነ ምስ ነገረና፡ እቲ ወትሩ ንግሆ ቡን ክንሰቲ ኣፍና ዘየኽድነና ዕላሉ ክንስእኖ ምዃና ተሰቊሩና ይመስለኒ፡ ኵልና መሳርሕቲ ተዓዚምን ኢና ርኢናዮ። ምኽንያት ጥሮታ መውጽኢኡ ከይነገረና እንፈልጦ ብምዃኑ ምሕባርና ኣየድለዮን።

ኣብ'ዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት፡ ብዙሕ እዋን ብምኽንያት ስራሕ ብሓደ ካብ ቤት ጽሕፈትና ገይሽና ኣለና። ናብ ሮሰን ግን ብሓደ በጺሕና ኣይንፈልጥን ኢና ዝነበርና። ስለዚ፡ እዛ ጕዕዞና ካብ ንምድባ ጀሚሩ፡ መዓልታዊ ዝተወልደላ ገዛ እንዳ'ዓለቦኡ ከርእየኒ ምዃኑ ደጋጊሙ ሓቢሩኒ ነይሩ። ኣነ ንዓሚለይ፡ ንሱ ድማ ንዓሚሉ መምስ ሓደስቲ ኣስራሕቶም ኣራኺብና ውዕል ምስ ኣፈራረምናዮም ድማ፡ ብቐጥታ ናብታ ተወሊዱ፡ ዓዂዅን ዝዓበየላን ገዛኦም ኣምራሕና።

ኣብ 1880ታት ዝተሰርሐት ገዛኦም፡ ብኾቦርታ በረድ ተዓብዒባ ጸንሓትና። ናብ ድርኵኺት ዘሕልፍ መንገዲ ብባዴላ ጸራሪግና ድማ ሓለፍና። ካብቲ 15 .. ትሕቲ ዜሮ ናይ ደገ ዛሕሊ ውጺእና፡ ኣብታ ብሓቀኛ ምስሊ ሓንቲ ስድራ ዘርእዩ ኣቕሑ ገዛ ናብ ከባቢ 10 .. ልዕሊ ዜሮ ዝምቘት ቤት ኣቲና ደው በልና። ናብቲ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝርከብ ቤት ሕጽቦን ማሽን መመቚ ገዛ ዝርከቦን ቦታ በቲ ደረጃታት መሪሑኒ ንታሕቲ ተነቝተ። ኵነታት መመቚ ማሽን ጽቡቕ ምህላዉ ድሕሪ ምርግጋጽ ድማ ናብ ሳሎን ዝርከቦ ክፍሊ ተመለስና።

ኣብቲ ክፍሊ ናብ ዝርከቡ ኣሳእል እናኣመልከተ ድማ፡ ብዓልመን ምዃኖም በብሃደ እናሓበረኒ ናብቲ ናብ መውጽኢ ባብ ወገን ዝርከብ መንደቕ ኣምራሕና። ናብ ሓንቲ ኣብቲ መንደቕ ዝነበረት ስእሊ እናመልከተ ድማ፡ "እዚ ድማ ኣቦሓጐይ'ዩ፡" በለ ኣሮን ሰሓቑ ምቍጽጻር እናሰኣነ። ኣነ'ውን ኣይደንጐኹን ሰሓቐይ ፈነዅዎ።

ኣሮን ካብ ኣቦኡ ዝወረሶ፡ ኣዝዩ ውፉዩ ኣባል ጸጋማይ ሰልፊ እዩ። ኣቦኡ፡ ቀደም ኣባል ናይ ሓንቲ ካብ'ተን ብሰልፊ ዕዩ ዝፍለጣ ሰልፊታት ምናባሩ ብዙሕ ግዜ ኣውጊዑኒ ነይሩ እዩ። ንኣብነት ሰልፊ ማሕበርነታዊ ደሞክራሲያውያን ሓደ ካብ'ቶም ሰልፊታት ኰይኑ፡ ንሽወደን ንነዊሕ ግዜ ዝመረሐን ብብዙሕ መልክዓት ዝለወጠን ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ምስ መላፍንቱ ከም እኒ ጸጋማይ ሰልፊ ስልጣን ተቘጻጺሩ ዝርከብ  እዩ።

ሰራሕተኛታት ምስ ዝሓብሩ፡ ሕንባበ ለውጢ ናይ ሓንቲ ሃገር ከም ዘቀላጥፉ፡ ሽወደን ሓንቲ መርኣያ እያ። ቀደም ተመሃራይ ማእከላይ ደረጃ ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ፡ ፖሊቲካ ዝብል ዓውደ ትምህርቲ ኣብ እንመሃረሉ ዝነበርና ግዜ፡ "ሰውን ሰው የምያሰኘው ስራ ነው፡" እትብል መትከል ማሕበርነት ወትሩ'የ ዝዝክራ። ኣብቲ ግዜ'ቲ ገዛ-ቤት ትምህርቲ-ገዛ ክመላለስ እንከለኹ፡ ነዚኣ ዝድርዑ ብዙሓት ጭሮሖታት ምስ ስእሊ ማርክስ፡ ኤንገልስ ከምኡ'ውን ለኒን ኣብ መንደቕ ፋብሪካ ዕሹግ መግቢ ሶፕራል (ብልማድ እናዳ ሳርቺ ንብሎ ዝንበርና) መዓልታዊ ዝዕዘቦም ትርኢት'ዮም ዝነበሩ። ኣደይ፡ "ጳጳሳት ተረኺቦምለይ'ሲ ኣብዚ ይግትሩዎም!” ኢላ ጽላኣታ ክትስንዱ'ውን ሕጂ ኰይኑ ይስመዓኒ።

ማሕበርነት፡ ህዝቢ ንኽቕበሎ ይስግደድ ብምንባሩ፡ ዘኽርህ'ዩ ዝነበረ። "ንሰብ ሰብ ዝገብሮ ስራሕ'" ዝብል ኣበሃህላ ግን፡ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኰነ። ኣሮን ኣቦሓጐይ ዝበሎ ስእሊ፡ ምስሊ ናይ ካርል ማርክስ'ዩ ዝነበረ። ኣቦ ኣሮን ንማርክሳዊ ኣተሓሳስባ ብግብሪ ዝሰርሓሉ ብምንባሩ፡ ብዙሕ ሽግራት ይገጥሞ ምንባሩ ኣሮን ኣዘንትዩለይ ነይሩ። ኣቦ ኣሮን ከቢድ ናይ ጕልበት ስራሕ እናሰረሐ ደቁ ኣብ ዝብጻሕ ዘብጸሐ ጻዕራም ሰብ'ዩ ነይሩ። ኣቦ ኣሮን ወትሩ ንስራሕ ክወፍር ንማርክስ ተሳሊሙ ክወጽእ ብስእለ-ኣእምሮይ ቀረጽኩዎ።

ምስሊ ተሳሊምካ ንስራሕ ምውፋር ናብ ኤርትራ መሊሳትኒ። ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት'ዩ። ሓንቲ ዘመድይ፡ ወላዲኣ ኣቦይ ኪዳነ ንስራሕ ክወፍሩ እነከለዉ፡ ነታ ኣብ ሓደ መንደቕ ናይ ሳሎን ክፍሊ ተሰቒላ ዝነበረት ስእሊ እናጠመቱ ገጾም ኣማዕቲቦም ክወጽኡ ምስ ረኣየቶም፡ “ኣቦ እንታይ ትገብር፧" ትብሎም።

ንማራያም ቅዱስ መዓልቲ 'ከተውዕለኒ ኣልምና 'ዛ ጓለይ፡" ኢሎማ ናብ ስራሖም ይብገሱ።

እታ'ቦ መን ኣደይ ማርያም'ያ ኢሉካ፧"

መን'ከ ኣይኰነትን ኢሉኪ፧"

እታ'ቦ እዚኣ ሞናሊዛ ትበሃል ናይ ዓለም ዝጸበቐት ሰበይቲ'ያ። ኣደይ ማርያም ኣይኰነትን።" ጓለ'ቦይ ኪዳነ ካዕካዕ እናበለት ኣደኣ ንምጽዋዕ ከደት።

ኵለን ሕደ ዛ'ጓለይ፡ ኵለን ጽቡቓት።"

ኣደኣ ነቲ ዕላል ተጸንበራኦ። ንሰን'ውን ወትሩ ከም ዝሳለማኣ ብዕሊ ሓበራ። ጓለ'ቦይ ኪዳነ ሰሓቓ ምቍጽጻር ስኢና ክትዛረብ ኣየከኣለትን።

ኣቦይ ኪዳነ፡ ብልቦም ዝኣመኑዎ ብምግባሮም ስኽፍ ከይበሎም ንስራሖም ወፈሩ። ኣብ ስራሖም – ስራሕ ኤሌክትሪክ – ዕዉትን ህርኵትን ዝነበሩ ኣቦይ ኪዳነ፡ ብጻዕሮም ንደቆም ኣብ ዝብጻሕ ዘብጽሑ እዮም። ብዙሓት ካብ ደቆም ንነብሶም ኰይኖም ንህዝቦም ዝዀኑ እዮም።

እዞም ክልተ ኣሳእል፡ ምስሎም ዘይኰነ ብድሕሪ'ቲ ዝረአ ምስሊ ዝሓዝዎ ረዚን ሓሳባት ይዓዝዝ። ኣሮን ርጋጽ እግሪ ኣቦኡ ስዒቡ፡ ህርኵትን ሰሪሑ ዘስርሕን ሰብ ንኽኸውን፡ እቲ ረዚን ሓሳብ ኣብ ህይወቱ ልዑል ግደ ከም ዘበርከተ ርግጸኛ እየ። ከም ጀማሪ ሰራሕተኛ ኣብ ስራሕ ደርገፍ ክብል እነከለኹ፡ ብዙሓት መሳርሕተይ ሓጊዞምኒ እዮም። ብፍላይ ኣሮን ግን፡ ሓብሒቡኒን ምስ ብዙሓት ናይ ስራሕ መሻርኽት'ውን ኣላልዩኒ። ካብ ስራሕ ወጻኢ'ውን ኣብ ብዙሓት ንጥፈታት ምስኡ ንኽሳተፍ ዓዲሙኒን ተማሊኡኒን።

ኣብዚ ዕድመኡ'ዚ፡ ንልዕሊ ሳላሳ ዓመታት ኣብ ማራቶን ስቶክሆልም ንኽጐዪ ይዳሎ ኣሎ። ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ'ውን ምስኡ ንምስታፍ ምድላዋት ንኽገብር ጽልዩኒ። ዓመት መመላእታ'ውን ጐየ ኣለኹ፡ ዋላ'ኳ ንማራቶን ዝበቅዕ ምድላዋት ኣጻፊፈ እንተ ዘይበጻሕኩዎ። ኵነታት ኣሮን ክርእዮ እንከለኹ፡ ንሓደ ነገር ብእምነት ምስ እትዕልመሉ ዘይከኣል ነገር ከመዘየለ እርዳኣ።

ቅድሚ ሕጂ ምስ ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ኣዕሩኸይ፡ “ማይ ብራዘር ፍሮም ኣናዘር ማዘር” (ካብ ካልእ ኣደ ዝውለድ ሓወይ) እናተበሃሃልና ክንጸዋዋዕ እዝክር። ብተመሳሳሊ፡ ብዙሕ እዋን ካብ ስራሕ ወጻኢ ኣብ እንንቀሳቐሰሉ ኣጋጣሚ፡ ንኣሮን ከም ኣቦይ ኣላልየዮ ኣለኹ። ነቲ ዳእል፡ ክልቴና ስሒቕና ኣይንጸግበሉን ኢና። ተኲረን ዝርእያና ኣዒንቲ፡ ወይ ኣእምሮኦም ንሕብሪ ቈርበትና ብምንጽጻር ዝብሉዎ ጠፊኡዎም ክወጃበሮም ርኢና ብሰሓቕና ኢና ስቓዮም ንቕንጥጦ።

ኣሮን'ውን ብዛዕባይ ዝጥቀመላ ካልእ መስሓቕ ኣላቶ። ኣብ ስራሕና፡ ንዓይ ንምርካብ ዝመጸአ ሰብ ንኽደሃዩሉ ምስ ሓተተ፡ ኣሮን፡ "ሓደ ሰብ ይደልየካ ኣሎ፡" ይብለኒ።

እንታይ ዝዀነ፧" ኢለ ድማ እሓቶ ኣነ።

ወዲ ዓድኻ'ዩ መስለኒ።"

ካብ ባከ ድዩ መጺኡ፧" ደጊመ እሓቶ።

ባከ፡ መጀመርያ ሽወደን ምስ ኣተኹ ንዓመት መመላእታ ዝተቐምጥኩላ ቁሸት ብምዃና፡ ዳርጋ ዓለመይ'ያ ነይራ። ነታ ኣሮን "ኣነ ወዲ ሮሰን" እናበለ ዝምከሓላ ንምምላስ ኢለየ ባከ ከም ዓደይ ገይረ ዝመለስኩሉ ኣብዛ ዝርርብና። ካብዚ ብምብጋስ፡ ወዲ ጎዶቦኡ ምዃነይ'ውን ብዙሕ እዋን ኣላልዩኒ ኣሎ።

ሞንሳ ብድሕሪ ካሜራ 
ጕዕዞ መልሲ ናብ ቤት ጽሕፈትና ኣብ ምቕናዕና፡ ኣሮን ብዛዕባ ቍልዕነቱ ኣዕሊሉኒ። ሮሰን ብዙሓት ብበረድ ናይ ምንሽርታት ስፖርት ብደረጃ  ሃገርን ዓለምን ፍሉጣት ዝዀኑ ስፖርተኛታት ዘፍረየት ቁሸት ምዃና ነገረኒ። ንሱ ዝተወልደላ መዓልቲ፡ ወዲ ሮሰን ዝዀነ ስፖርተኛ ኣብቲ ብቫሳ ሎፐት ዝፍለት ናይ 90 .. ውድድር ምንሽርታት በረድ ተዓዊቱ። ጋዜጠኛታት ንብዓልቲ-ቤት ተዓዋቲ ደዊሎም፡ ሰብኣያ ምዕዋቱ ከመይ ከም ዝተሰመዓ ሓተቱዋ።

"በጃኹም ግደፉና፡ ካብኡ ዝዓቢ ሓጐስ እነሀ ኣብዚ። ጐረቤተይ፡ 4 .. ዝምዘን ናጽላ ወሊዳላ፡" ኢላ'ያ መሊሳ። እቲ ክውለድ እንከሎ 4 .. ዝተመዝነ ኣሮን፡ ምስ ልዕሊ ዕስራ ዝኣኽሉ ኣብ ሓደ ዓመት ምስኡ ዝተወልዱ ቈልዑ እናተጻወተን እናተማህረን ምዕባዩ፡ ነቲ ሕጂ ሓደ'ውን ቈልዓ ዘይረኣዮ ገደናኦም እናመልከተ መጻወቲ ኵዕሶ እግሪ ዝነበረ ቦታ ኣርኣየኒ።

ብዓልቲ-ቤት ተዓዋቲ ምንሽርታት በረድ፡ ቈልዓ ምውላድ ልዕሊ ዓወት ሰብኣያ ዘሐጐሳ፡ ምናልባት ክብሪ ሰብ እትፈልጥ ሰብ ምንባራ ኰይኑ ይስመዓኒ። እዚ ምስቲ ውላድ ከም ሃብቲ ዝርኢ ኣፍሪቃዊ ባህሊ ድማ ኣዝዩ ተመሳሰለኒ።

ስእሊ ማርክስን ባዕለይ ኣብ ኣእምሮይ ዝሰኣልኩዎ ምስሊ ኣሮን ብዕሸሉን ካብ ኣእምሮይ ከይበነኑ፡ ጕዕዞ ምምላስ ጀመርናዮ። ዕላልና ኣብ ዙርያ'ቲ ሓንሳብ ምስ ተወለዐ ዘይቅህም ውግእን ወረ ውግእን ዓለማና ገይርና፡ የማናይ እግረይ ክሳብ ማኪናና ክትነፍር እትደሊ ኣችራቶረ ረገጽኩ። ዘይተጸርገ በረድን ኵርባታትን ክረክብ እንከለዅ ብደመ-ነፍሲ ፍጥነተይ እናቐነስኩ ክዝውር እዝክር። ኣእምሮይ ግን፡ ብዝዀነ ስእሊ ዝብገስ ደራኺ ሓሳብ ንምርካብ የሰላስል ነይሩ። ምኽንያቱ፡ ንገዛይ ብኣእምሮይ ኵሉ መናድቓ ዳህሲሰ፡ ዋላ ሓንቲ ጥር እትብል ስእሊ ዘይሰቐልኩላ ምዃንይ ዘኪረ ስኽፍክፍ በለኒ።

ኣመንቲ ምስልምና፡ ዝዀነ ንእምነት ዝውክል ምስሊ ከም ዘየዘውትሩ ሓሲበ። ኣመንቲ ክርስትና ዘዘውትሩዎም ምስሊታት፡ ቅዳሓት ማሪታውያን እምነታት ኤውሮጳ ብሓፈሻ 'ውን ግሪኽ ብፍላይ ምዃኖም ዘኪረ፡ ካብ'ቶም ምስሊታት ንላዕሊ እቲ ዝውክልዎ ሓሳብ ክንቲት ኰይኑኒ። ምእመናን ሂንዱ ዘዘውትሩዎም ጣኦታት፡ መጥፍኢ ሽጋራ ዝመስለሉ ኣጋጣሚ'ውን ተቐጂሉኒ።

ጸኒሐ ድማ፡ ንኣሮን ከም ኣቦይ ከላልዮ እንከለኹ ሕብሪ ቈርበትና ርእዮም ኣእምሮኦም ደው ዝበሎም ንጉደኒ ገዲፈ፡ ኣሮንን ኣነን ዝዓበናሉ ሕብረተ-ሰብ ማሕበርነት ዝዓንዱ ምዃኑ ፍሽኽ ኣበለኒ። ኣሮን "ኣቦሓጎይ" ዝበሎ ኣቦ ኣቦሓጐይ ምዃኑ ድማ ተገንዘብኩ፣ ኣብ ሓደ ካብ'ቶም ሌጣ ዘለዉ መናድቐይ ቦታ ክሓዝኣሉ ድማ ወሲነ።

No comments:

Post a Comment